ውሕስነት፡ ደገፍን ዝያዳ ንምሕታት ሓይልን

ኮሙናል ሓንቲ ካብተን ናይ ሽወደን ዝዓበያ ማሕበር ሰራሕተኛታት እያ። መብዛሕትኦም ኣባላት ኣብ ጽላት ድሕንነት እዮም ዝሰርሑ። ኮሙናል ንውሕስነት ዘለዎን ፍትሓውን ናይ ስራሕ ህይወት ይጽዕር፡ ማለት ምእንቲ ዝለዓለ ደሞዝ፡ ዝሓሸ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ጽቡቕ ናይ ስራሕ ሃዋህውን ክትረክብ ክትክእል።

Sex personer i olika typer av arbetskläder står bredvid varandra och ler in i kameran.
Foto: Kommunal

መን’ዩ ኣባል ክኸውን ዝኽእል?

ኮሙናል ንዓኻ ኣብ ኮሙንን ዞባን፡ ቤተ ክርስትያን፡ መኽሰብ ዘይድልብ ጽላት፡ ሕርሻ ወይ ኣብ ናይ ብሕቲ ትካል ( ንኮሙን ወይ ዞባ ዝሰርሑ) ትሰርሕ ዝኸውን ማሕበር ሰራሕተኛታት እዩ። ዋላ ከም ቀዋሚ፡ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ፡ ናይ ወቕቲ ስራሕ ወይ ከም መተካእታ ኴንካ ስራሕ ተቖጸር ብዘየገድስ ኣባል ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገለ ካብተን ብኾሙናል ዝጥርነፋ ስራሓት ንምስራሕ ተመሃራይ እንተ ዄንካ፡ ንዓኻ ዝኸውን ሓደ ፍሉይ ናይ ተመሃሮ ኣባልነት ኣሎ።

Bild på Malin Ragnegård utomhus.
ማሊን ራግነጎርድ ኣደ መንበር ማሕበር ሰራሕተኛታት ኮሙናል
Foto: Kommunal.

ኣካል ናይ’ቲ ክትርእዮ እትደሊ ለውጢ ዅን

ነቲ ናይ ሓባር ጕዳይና ምሳይ ሓቢርካ ክትገብሮን ኣባል ናይ ኮሙናል ክትከውንን ተስፋ እገብር። ደሞዝን ኵነታት ስራሕን ናብ ዝሓሸ ክቕይሩ ዝደልዩ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኣባላት ዘለዉና ሓደ ነደንቕ ምንቅስቓስ ኢና። ሳላ ብዙሓት ዝኾንና፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታታት፡ ኣብ ናይ ድርድር ጣውላን ኣብ ፖለቲካን ኣብ ግምት ንኣቱ ሓይሊ ኢና። ኣብ ስራሕ ገለ ጌጋ እንተ ኣጋጢሙ፡ ኮሙናል ኩሉ ግዜ ሓደ ውሑስ መርበብ ድሕነት ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ከምኡ’ውን ኮሙናል እንተ ወሓደ ከመይ ጌርካ ለውጢ ከም ተምጽእን፡ ብሓባር ኴንና ኣየናይ ሓይሊ ከም ዘለናን ቤት ትምህርተይ እያ ኔይራ።

ብደሓን ምጻእ!

ማሊን ራግነጎርድ ኣደ መንበር ማሕበር ሰራሕተኛታት ኮሙናል

ኵሉ’ዚ ኣብ ኣባልነት ትረኽቦ!

  • ሓገዝን ውሕስነትን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ

    ገለ ነገር ኣብ ስራሕ እንተ ኣጋጢሙ፡ ከም ኣባል ናይ ኮሙናል መጠን ካብ ክኢላታትና ምኽርን ደገፍን ይወሃበካ እዩ። እቲ ሓባራዊ ውዕል ነቶም ኣገዳስቲ ኵነታት ስራሕ ዝቈጻጸር ኮይኑ፡ ቅልውላው ምስ ዘጋጥምን ሓገዝ ዘድልየካን እቶም ናትና ክኢላታት ሕጊ ንኽሕግዙኻ ድሉዋት ኣለዉ። ብተወሳኺ ኣፍልጦ ሞያኻን ጽላትካን ስለ ዘለና፡ ንዓኻ እንታይ ከም ዝምልከተካ ጽቡቕ ርድኢት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

  • ኣፍልጦ ደሞዝን ዓመታዊ ዕረፍትን

    ደሞዝካ ልክዕ እንተ ኾይኑ ክትፈልጥ ትደሊ’ዶ? ካብቲ ናይ ደሞዝ ዝርርብ ወይ ኣብ ሓድሽ ስራሕ ትገብሮ ናይ ደሞዝ ምይይጥ ብዝያዳ ምእንቲ ክትረብሕ፡ ነቲ ናይ ደሞዝ መለክዒ፡ ምዕባለ ደሞዝ፡ ሓባራዊ ውዕልን ካልእ ንደሞዝካ ዝጸሉ ነገራትን ንኽትፈልጦም ንሕግዘካ። ብዛዕባ ዓመታዊ ዕረፍትኻ ንዝምልከት ሕቶታት እውን ሓገዝ ትረክብ ኢኻ!

  • መድሕናት ኣብ ኣባልነት እቱዋት እዮም

    ከም ኣባል ናይ ኮሙናል መጠን፡ ሳላ እቲ ናትና ኣራባሒ እኩብ እማመ መድሕን ኣብ ወርሒ ብማእከላይ ገምጋም ክሳብ 417 ክሮነር ክትቁጥብ ትኽእል ኢኻ።

    እዚ ዝስዕብ ኣብ ኣባልነት እቱው እዩ፦

    • መድሕን ገዛ
    • መድሕን ሓደጋ
    • መድሕን ኣታዊ (ከም መመላእታ ንኣ-ካሳ)
    • መድሕን ህይወት
    • መድሕን ህይወት ንቘልዑ
  • ብዙሕ ገንዘብ ኣብ ሕሳብካ ይተርፍ።

    ንዕብየት ደሞዝካ ዝምልከት ምኽሪ ትረክብ። እዚ ድማ ኣብ ደሞዝካ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣለዎ። ብተወሳኺ በቲ ብመንገዲ ኣባልነት ትረኽቦ ምጉዳል ዋጋታትን በቶም ኣብ ኣባልነት እቱዋት ዝኾኑ መድሕናትን ገንዘብ ትቝጥብ ኢኻ።

  • ዝሓሸ ኵነታት ንኽህሉ ንድረኽ ኢና

    ብሓባር ኴንና ኣብቶም ናትና ጨናፍራት ዝሓሸ ናይ ስራሕ ኵነታት ንኽህልው ንደራደር ኢና። ከምኡ'ውን ንዓና ኣብ ዝምልከቱ ጕዳያት፡ ከም ዝያዳ መሳርሕትን ማዕርነት ኣብ ደሞዝን ንኽህሉ ንፖለቲከኛታት ንጸልዎም ኢና። ኣብቶም ኣገደስቲ ጕዳያትኩም ምስ መሳርሕትኻ ብሓባር ኴንካ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኹም ጽልዋ ንኽትገብሩ እውን ሓገዝ ትረኽቡ ኢኹም።

  • ዝያዳ ተምሃር

    በቲ እንህቦ ትምህርትታት (ብዲጂታላዊ ኣገባብ ወይ ብኣካል ብምርኻብ)፡ ብዛዕባ ኣየኖት መሰላት ከም ዘለዉኻን ኣብ ስራሕካ ብኸመይ ብዝያዳ ክትጸሉ ከም ትኽእልን ኵሉ ክትፈልጦ ዘድልየካ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ግዜ ንኽትህቦ ዓቕሚ ገንዘብ ንኽህልወካ ዝገብር ቍጠባዊ ሓገዝ ትምህ ርቲ እውን ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

መዘኻኸሪ፦ ወርሓዊ ሓያሎ ኣማኢት ክሮነር ክትቁጥብ ትኽእል ኢኻ!

ከም ኣባል መጠን፡ ኣብ ኵሉ ካብ ጥዕና ዝህቡ ስጕምትታት፡ ተክኖሎጂን መገሻታትን ክሳብ መዘናግዕን ተመኩሮታትን ዝኣመሰለ ብዙሕ ዝተፈላለየ ቀረባትን ምጕዳል ዋጋን ትረክብ። ብተወሳኺ ብጽሑፍ ዝተጠቕጠቐ ናይ ኣባላት መጽሔት፡ ኣርባሒ ናይ ኣባል ልቓሕ፡ ምስ ዘድሊ ሕጋዊ ሓገዝ ትረክብ። ብተወሳኺ ነቲ “ Balans & Hälsa” ዝብሃል ናይ ቅዲ ህይወት መሳርሒ ክትረኽቦ ኢኻ።

መሳርሕትኻ ኣባል ንኽኸውን መልምል – ናይ ህያብ ካርድ ተቐበል

ከም ኣባል መጠን መሳርሕትኻ ክትምልምል ከለኻ፡ ንነፍስ ወከፍ ኣባል ካብ ዝተፈላለየ ናይ ህያብ ካርድ ናይ 200 ክሮነር ዝዋግኡ መሪጺካ ይወሃበካ ኣዩ! ኣብ kommunal.se/kollega ብዝያዳ ኣንብብ

ኣፍልጦ ኵነታት ምህላው ወኪል ኩን!

ንስኻን መሳርሕትኻን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኹም ገለ ነገር ክትልውጡ ትደልዩ ዲኹም? መደብ ሰዓታት ስራሕኩም ጽቡቕ ኣይሰርሕን ድዩ? ናይ ስራሕ ጫማ መድለየኩም’ዶ? ዝሓሸ ብዝሒ ሰራሕተኛታት የድሊ ድዩ? ንስኻን መሳርሕትኻን ኢኹም ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኹም እንታይ ጽቡቕ ከም ዝሰርሕ ዘሎን እንታይ ጽቡቕ ከም ዘይሰርሕ ዘሎን ትፈልጥዎ። ከም ናይ ስራሕ ቦታ ወኪል መጠን፡ መሳርሕትኻ ከም ወኪል ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣብ ልዕሌኻ እምነት ኣለዎም። ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ መሳርሕትኻ፡ ወሃብ ስራሕን ኮሙናልን ንሳኻ ኢኻ መላግቦ ትኸውን። ንስኻ፡ምስ መሳርሕትኻ ብሓባር፡ ለውጢ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኾም። ብሓቂ።

ምጕዳል ዋጋ ኣባልነት!

ብኣውቶጂሮ ክትከፍል ከለኻ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ምጕዳል ዋጋ ትረክብ ኢኻ፡ ናይተን ቀዳሞት ክልተ ኣዋርሕ 80 ክሮነር ጥራይ ኢኻ ትከፍል። ድሕሪኡ ኣብ ወርሓዊ ኣታዊኻ ዝተሞርኾሰ ወርሓዊ ክፍሊት ኢኻ ትኸፍል። ኣብ kommunal.se/rabatt ብዝያዳ ኣንብብ

ንስኻ ወይ መሳርሕትኻ ብዛዕባ ኣባልነት ዝያዳ ክትፈልጡ ትደልዩ ዲኹም?

እምበኣርከስ ክትድውለልና ወይ ኢ-መይል ክትሰደልና ትኽእል ኢኻ። ከምኡ’ውን “Tipsa” ዝብል ቃል ጽሒፍካ ስዒቡ ፍንታተ ቦታ ገዲፍካ ናብ 71140 ኤስ.ኤም.ኤስ ክትሰድድ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ስምካ፡ ቍጽሪ ሞባይልካን ኢ-መይልካን ጽሓፍ፡ ከምኡ’ውን ምዓስ ክድወለልካ ከም ትደሊ ሰዓት እንተ ጸሓፍካ ጽቡቕ እዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ክንምለሰካ ኢና፡ ኵሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሓደ ናይ ስራሕ መዓልቲ!

ብሓባር ዝያዳ ሓያላ ትን ውሑሳትን ኢና

ንጽቡቕ ኵነታት፡ ዝሓሸ ደሞዝን ዝያዳ ውሕስነትን። ናይ መጻኢ ናይ ስራሕ ህይወት ኣብ ምቕራጽ ተሳተፍ፦ ሎሚ ኣባል ኵን

ኣባል ኩን!

Dela sidan

Kontakta Kommunal

Har du frågor om medlemskap eller behöver du hjälp i något som rör ditt arbetsliv? Ring, så hjälper vi dig!

010-442 70 00Öppettider och andra kontaktvägar